ኣብቲ ብ6 መስከረም 2026 ዝተኻየደ ምርጫ፡ ፓርቲ AfD ብዓቢ ብልጫ ክዕወት እንከሎ፡ CDU ድማ ዓቢ ስዕረት ኣጋጢምዎ።
-
AfD (Alternative für Deutschland): 44,5% (39 መንበር) - ቀዳመይቲ
-
CDU (ክርስቲያን ዴሞክራት): 18,5% (16 መናብር) - ድሕሪት ብምዃን ካልኣይቲ
-
Die Linke (ጸጋማይ ሰልፊ): 9,5% (8 መናብር)
-
Grüne : 9,0% (8 መናብር)
-
SPD (ሶሻል ዴሞክራት): 8,0% (7 መናብር)
-
BSW : 5,0% (5 መናብር) - ናብ ፓርቲ ባይቶ ኣትዩ ኣሎ
-
FDP (ናጻ ዴሞክራት): 2,0% (ካብ ባይቶ ወጺኣ)
2. ኣብ መንጎ ሰልፍታት እንታይ ይካየድ ኣሎ? (መንግስቲ ምስራሕ ይከኣል ድዩ?)
-
ስዕረት CDU: ቀዳማይ ሚኒስተር Sachsen Anahlt ኣብል CDU Sven Schulze ንታሪኽ ሃገር ጀርመን ኣብ ሓደጋ ብምውዳቕ ዓቢ ስዕረት ኣጋጢምዎ (ካብ ዝሓለፈው ምርጫ ብ 18.6% ቀኒሱ)። ሚኒስተር መራሒ ሰልፊ ስዕረቱ ኣሚኑ ናብ "ተቓውሞ" (Opposition) ክሰጋገር ምዃኑ ኣፍሊጡ።
-
ዕድል AfD ን ሕቶ መግዛእትን: Alice Weidelን ቲኖ ክሩፓላን እዚ ዓወት "ታሪካዊ" ብምባል መንግስቲ ናይ ምትሓዝ ጻውዒት ኣቕሪቦም። ይኹን እተን ካልኦት ሰልፍታት (CDU, SPD, Grüne, Linke) ምስ ኣፍዴ ዝኾነ ይኹን ኪዳን (Koalition) ክገብራ ፈጺመን ከም ዘይደልያ ኣፍሊጠን ኣለዋ።
-
ግደ BSW: እቲ ሓድሽ ሰልፊ BSW (5%) ምስ AfD ልፍንቲ ክገብራ ድሉውቲ ምዃና ኣፍሊጣ ኣላ። ይኹን እምበር፡ ናይ AfD ዋና ተወዳዳሪ Ulrich Siegmund ንBSW ከም ክፋል ሽግር እምበር ከም መፍትሒ ስለ ዘይረአዮ፡ ኣብ ውሽጢ ፓርቲ AFD ባዕላቶም ኣብ መንጎኦም ዘይምርድዳእ ተፈጢሩ ኣሎ።
-
መንግስቲ ንምቛም ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ: እቲ ዋና ተወዳዳሪ ሲግሙንድ "ብዘይ ጽኑዕ መርገጽን ምቓም መንግስቲ ኣይክእልን" ብምባሉ፡ መንግስቲ ንምቛም ክሳብ ሕጂ ግሉጽ መገዲ የሎን።
3. ንስደተኛታት (ብፍላይ ከም ኤርትራውያን ኣብ ነይደርሳክሰን ዝርከቡ) ስግኣትን ፍርሕን
-
ስግኣት ምስጋግን ሕጊ ስደትን: AfD ብመሰረት ሕጊ gesichert rechtsextrem ዝተባህለ ምዃኑ ይፍለጥ። ኣብ 100 መዓልቲ መደባቶም፡ ንስደተኛታት ግዴታ ፊት ንፊት ዕዮ (Arbeitspflicht) ንምግባርን መደብ ስደተኛታት ንምጽባብን ሓሳባት ኣለዎም።
-
ናይ 3 ዓመት Aufenthaltstitel ወይ Niederlassungserlaubnis ዘለዎም ሰባት:
-
እቲ ሕጂ ዘሎ ናይ ጀርመን ሃገራዊ ሕገ-መንግስትን ቅዋምን (Grundgesetz) ንግዚኡ ጽኑዕ እዩ።
-
ይኹን እተን ፖለቲካዊ ለውጢታትን ኣብ መጻኢ ናይ ኤውሮጳ ሕጊ (EU Asylpolitik) ምጽባብን፡ ኣብ ብዙሓት ስደተኛታት (ካብ ኤርትራ፣ ሶርያ ወዘተ) ብዛዕባ ናይ መጻኢ ጸጥታኦም ዓቢ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።
-
-
ኣገዳስነት ኣብ ሰራሕተኛታትን ጥዕናን: ኣብቲ ጸብጻብ ከም ዝሰፈረ፡ ከም ሳክሰን-ኣንሃልት ዘለዉ ቦታታት ብዘይ ስደተኛታት ሰራሕተኛታት (ብፍላይ ኣብ ሕክምናን ኢንጂነርን) ክንቀሳቐሱ ኣይክእሉን እዮም። ስለዚ ኣይትፍርሑ ገበን ጥራይ ኣይትፈጽሙ ዝትንክፈኩም የለን።
Kommentar hinzufügen
Kommentare