ኣብ ጀርመን ብዘይ Rechtsschutzversicherung ምጉዓዝ ዓቢ ሓደጋ እዩ - ስለምንታይ?

ኣብ ጀርመን ንነዊሕ ዓመታት (ንኣብነት ን12 ዓመታት) ክንነብር ከለና፡ መዓልታዊ ምስ ዝተፈላለዩ ነገራት ንገጥም ኢና። እንተኾነ ግን ኣብ ጀርመን ሓደ ንኡስ ናይ ሕጊ ጸገም ወይ ዘይምርድዳእ እንተ ኣጋጢሙ፡ ናይ ጠበቓን ናይ ቤት-ፍርዲን ወጻኢታት (Anwalts- und Gerichtskosten) ካብ መዝገብካ ብኣሽሓት ዝቚጸር ካብ 3.000€ ክሳብ 10.000€ ክውድኣልካ ይኽእል እዩ።

ሓደ Rechtsschutzversicherung እንታይ ይዕቖበልካ?

  • ናይ ስራሕ ቦታ (Arbeitsrecht): ካብ ስራሕ ብዘይግቡእ እንተ ተሰጉጕካ ወይ ደሞዝካ እንተ ተኸሊእካ ጠበቓ ተኸላኺሉ መሰልካ የኽብረልካ።

  • ናይ ተኻራዪ መሰል (Mietrecht): በዓል ገዛ (Vermieter) ብዘይግቡእ ኪራይ እንተ ወሲኹልካ ወይ ካብ ገዛ ክሰጎካ እንተ ፈቲኑ ሕጋዊ ሓገዝ ትረክብ።

  • ናይ መገዲ ሓደጋ (Verkehrsrecht): ኣብ መገዲ ናይ መኪና ሓደጋ እንተ ኣጋጢሙካ ወይ ናይ ፖሊስ መቕጻዕቲ (Bußgeld) እንተ መጺኡካ ይጣበቐልካ።

  • ናይ ውዕላትን ዕዳጋን (Vertragsrecht): ምስ ኩባንያታት (ኢንተርነት፡ መኪና ምዕዳግ፡ ወዘተ) ዘይምርድዳእ እንተ ኣጋጢሙ።

መዘኻኸሪ፦ ጸገም ድሕሪ ምጋጣሙ Versicherung ምእታው ኣይሰርሕን እዩ (መብዛሕትኦም 3 ወርሒ ናይ ምጽባይ እዋን / Wartezeit ኣለዎም)። ስለዚ ሕጂ ኣቐዲምካ ብውሑድ ወርሓዊ ክፍሊት ካብ 15€ ክሳብ 25€ ነፍስኻን ስደራኻን ምዕቃብ ኣገዳሲ እዩ!

⚠️ ተወሳኺ ኣገዳሲ ሓበሬታ፦ ፍልልይ Rechtsschutz ን Privat-Haftpflichtን

ብዙሓት ሰባት "Rechtsschutz ጥራይ እንተ ሃልዩኒ ኩሉ ይሽፈነለይ እዩ" ኢሎም ይሓስቡ። እንተኾነ ግን፦

  • ናይ መብራህቲ/ማይ ሓደጋ (Privat-Haftpflicht)፦ ንኣብነት ኣብ ገዛኻ ማይ ከፊትካ ረሲዕካ ናብ Urlaub እንተ ኸይድካ፡ እቲ ዝበላሸወ ቦደን ወይ ናይ ጎረቤት ገዛ ዝኸፍሎ Privat-Haftpflichtversicherung ኣብ ወርሒ ካብ 4€ ክሳብ 6€ እዩ።

  • ናይ ሕጊ መከላኸሊ (Rechtsschutz)፦ እቲ Vermieter ብሰንኪዚ ሓደጋዚ ክኸሰካ ወይ ካብ ገዛ ክውጽእካ እንተ ፈቲኑ፡ ጠበቓ ገይሩ ዝጣበቐልካ Rechtsschutz እዩ።

👉 ምኽሪ፦ ክልቲኦም ብሓደ ግዜ ምህላዎም ንምሉእ ስደራኻ 100% ውሑስ ይገብሮም!

🏠 Hausratversicherung - ንናትካ ናይ ገዛ ንብረት መከላኸሊ

እንታይ የዕቅበልካ?

ኣብ ገዛኻ ብሰንኪ ሓዊ (Feuer)፣ ስረቒ (Einbruch/Diebstahl)፣ ናይ ማይ ምፍሳስ (Leitungswasser) ወይ ዓቢ ሓደጋ ንዝበላሸዉ ናትካ ንብረታት (Möbel, TV, Elektronik, ኪዳውንቲ) ምሉእ ብምሉእ ዋጋኦም ይክሕሰልካ።

  • Privat-Haftpflicht: ንናይ Vermieter/ጎረቤት ንብረት ዝተበላሸወ ይከፍል።

  • Hausratversicherung: ንናትካ ናይ ገዛ ውሽጢ ንብረት ዝተበላሸወ ይከፍል።

👉 ወርሓዊ ክፍሊት፦ ካብ 3€- 5 € ጥራይ ይጅምር!

ናይዞም ሰለስተ (3) ቀንዲ ናይ ጀርመን Versicherungen ሓጺር መግለጺን ፍልልዮምን፦

1. Privat-Haftpflichtversicherung (ናይ ውልቂ ሓደጋ ውሕስነት)

  • እንታይ እዩ? ንካልኦት ሰባት ወይ ንንብረቶም ንዘበላሸኻዮ ወጻኢታት ዝከፍል እዩ።

  • ኣብነት፦ ኣብ ገዛኻ ማይ ከፊትካ ረሲዕካ ናይቲ Vermieter ቦደን ወይ ናይ ታሕተዋይ ጎረቤት ገዛ እንተ ኣበላሽካ፡ ወይ ናይ ሰብ ስልኪ ካብ ኣእዳውካ ወዲቑ እንተ ተሰቢሩ።

  • ዋጋ፦ ብጣዕሚ ሕሰር እዩ 4 € - 6€  ኣብ ወርሒ)። ኣብ ጀርመን ቀዳማይ ዘድሊ እዩ!

2. Hausratversicherung (ናይ ገዛ ውሽጢ ንብረት ውሕስነት)

  • እንታይ እዩ? ንናትካ ናይ ገዛ ውሽጢ ንብረት ጥራይ ካብ ሓደጋ ዝከላኸል እዩ።

  • ኣብነት፦ ኣብ ገዛኻ ብሰንኪ ሓዊ (Feuer)፣ ስርቒ(Einbruch) ወይ ናይ ማይ ምፍሳስ (Leitungswasser) ናትካ TV፣ Möbel ወይ ሓደሽቲ ኪዳውንቲ እንተ ተበላሽዮም፡ ሓድሽ ዋጋኦም ይክሕሰልካ።

  • ዋጋ፦ ካብ 3€ - 5€ ኣብ ወርሒ ይጅምር።

3. Rechtsschutzversicherung (ናይ ሕግን ጠበቓን ውሕስነት)

  • እንታይ እዩ? ጸገም ወይ ዘይምርድዳእ ክመጽእ ከሎ ናይ ጠበቓን (Anwalt) ናይ בית-ፍርዲን ወጻኢታት ዝሽፍን እዩ።

  • ኣብነት፦ እቲ Vermieter ብዘይግቡእ ካብ ገዛ ክተጽእካ እንተ ፈቲኑ፡ ወይ ኣብ ስራሕ ቦታ ብዘይ ሓጢኣትካ እንተ ተሰጕጕካ፡ ጠበቓ ደው ኢሉ ይጣበቐልካ።

  • ዋጋ፦ ካብ 15€ - 25€ኣብ ወርሒ ይጅምር።

ቀንዲ ፍልልዮም ብሓጺሩ፦

  • Haftpflicht: ንካልእ ሰብ ወይ ንVermiter ዝበላሸወ ንብረት ይከፍል።

  • Hausrat: ንናትካ ናይ ገዛ ውሽጢ ንብረት ይከፍል።

  • Rechtsschutz: ንዝኾነ ናይ ሕጊ ክርክር ናይ ጠበቓ ወጻኢታት ይከፍል።

💶 ተወሳኺ፦ ናይ Kredit (ብድር) ዋጋን ረብሓን ብነጻ ኣወዳድር

ኣብ ጀርመን ብውሑድ ወለድ (Zinsen) ናይ Kredit/ ክረዲት ውዕል ክትኣስር እንተ ደሊኻ፡ ኣብዚ ታሕቲ ዘሎ Rechner መጠን ገንዘብካን ወርሕኻን ኣእቲኻ ብቐሊሉ ኣወዳድር!