ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ናይ መኪና ኢንሹራንስ ምቕያርን ናይ Kündigung (ምስራዝ) ግዜ ገደብን ጌጋ ምርዳእ ኣለና። ኣብዚ ጽሑፍ እዚ፡ ኩሉ እቲ ክንፈልጦ ዘለና ሕግታትን ቁጠባን ብሓጺሩ ኣቕሪብናልኩም ኣለና።
1. ሓዲሽ ውዕል ምእታውን ናይ ምቕያር ግዜን (Wechselfrist)
-
እቲ ናይ መወዳእታ መዓልቲ (Stichtag): እቲ መደበኛ ናይ Kündigung (ምስራዝ) ወረቐት ክሳብ 30 ሕዳር (30. November) ናብቲ ነባር ኢንሹራንስኩም ክበጽሕ ኣለዎ።
-
እቲ ሓዲሽ ውዕል ዝጅምረሉ፦ ሓዲሽ ውዕል ሕጂ ኣብ ወርሒ ሕዳር እንተ ኣቲኹም፡ እቲ ሓዲሽ ኢንሹራንስኩም ብወግዒ ካብ 01.01.2027 እዩ ስራሕ ዝጅምር።
-
ዓቢ ጌጋ ምርዳእ፦ “እቲ ውዕል ካብ 01.01.2027 ስለ ዝጅምር ሕጂ ምቕያር ኣይከኣልን እዩ” ዝብል ሓሳብ ጌጋ እዩ! ሕጂ (ኣብ ወርሒ ሕዳር) Kündigung ገይርኩም ሓዲሽ ትእቱ፡ እቲ ውዕል ድማ ካብ 01.01.2027 ይጅምር።
2. ንዓመተ 2027 ኣቐዲሙ ዝተኸፍለ ክፍሊት (Rückerstattung)
-
እንተደኣ እቲ ነባር ኢንሹራንስኩም (ንኣብነት HUK24) ንዓመተ 2027 ዝኸውን ክፍሊት (ንኣብነት 600 €) ኣቐዲሙ ካብ ባንክኩም ወሲድዎ ሃሊዩ፡ እቲ ገንዘብ ምሉእ ብምሉእ ተመላሲ ይኸውን!
-
ብሕጊ፡ ክፍሊት ትከፍሉ ነቲ ኢንሹራንስ ተጠቒምኩልኡ ንዘሎኹም ግዜ ጥራይ እዩ።
-
እቲ ውዕል ብ 31.12.2026 ስለ ዝወደቕ፡ እቲ ዝተወሰደ ገንዘብ ኣብ ወርሒ ጥሪ (Januar 2027) ብኣውቶማቲክ ናብ ባንክ ሒሳብኩም ይምለሰልኩም::
3. ውዕሎም ኣብ መፋርቕ ዓመት ንዝጀመሩ ሰባት (z. B. 01.06. oder 01.09.)
-
መደበኛ ምቕያር፦ ውዕልኩም ኣብ መፋርቕ ዓመት (ንኣብነት ኣብ ወርሒ 06 ወይ 09) ዝተጀመረ እንተደኣ ዀይኑ፡ 30 ሕዳር ናይ መወዳእታ መዓልቲኩም ኣይኮነን። እቲ ውዕል ካብ ዝወደኣሉ መዓልቲ 1 ወርሒ ኣቐዲምኩም Kündigung ምስዳድ የድሊ።
-
Sonderkündigungsrecht (ናይ ህጹጽ ምስራዝ መሰል)፦ እቲ ነባር ኢንሹራንስ ንዓመተ 2027 ዋጋ ወሲኹልኩም እንተደኣ ሃሊዩ (Beitragserhöhung)፡ ውዕልኩም መኣስ ይጀመር ብዘይብል፡ እቲ ናይ ዋጋ ወሰኽ ደብዳቤ ካብ ዝበጽሓኩም መዓልቲ ኣትሒዙ ኣብ ውሽጢ 1 ወርሒ Kündigung ገይርኩም ብኡ ንብኡ ናይ ምቕያር ፍሉይ መሰል ኣለኩም::
4. ውዕል ብኢንሹራንስ እንተ ተነጺጉ (Ablehnung)
-
ሓደ ሓደ ግዜ ሓዲሽ ኢንሹራንስ ክትእቱ ከለኹም ብወገን እቲ ኩባንያ ምነጻግ (Ablehnung) ክገጥመኩም ይኽእል እዩ።
-
ፍርሃት ኣየድልይን፦ እቲ ነባር ኢንሹራንስኩም (HUK24) ብደሓን ይቕጽል እዩ፡ ብዘይ ኢንሹራንስ ኣይትርፉን ኢኹም።
-
እንታይ ክትገብሩ ኣለኩም? ብኡንብኡ ኣብ CHECK24 ካልእ ዝበለጸን ዝተሓተ ዋጋ ዘለዎን ኩባንያ ብምሕራይ ሓዲሽ ማመልከታ ምእታው ይከኣል እዩ።
💡 መደምደምታ፦
ሕጂ (ክሳብ 30.11.): ኣብ ዌብሳትና rbltv.co ኣብልኩም ብ CHECK24 ዋጋ ኣወዳድሩ ሓዲሽ ውዕል ብምእታው፡ ነቲ ነባር Kündigung Automatic ናይ ምስራስ ዕድል ክውሃበኩም እዪ።
ካብ 01.01.2027: እቲ ሓዲሽ ውዕል ስራሕ ይጅምር፡ ገንዘብኩም ድማ ትቆጥቡ!
Kommentar hinzufügen
Kommentare