ኣብ ጀርመን ዜግነት (Einbürgerung) ክትሓቱ ከለኹም፡ ሓቀኛን ምሉእን ሓበሬታ ምሃብ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ብመሰረት እቲ ሓድሽ ውሳኔ ፓርላማ ጀርመን (§ 35a StAG)፡ ኣብ እዋን ምልክታ ዜግነት ሓሶት ዝተናገረ ወይ ኣገደስቲ ሓበሬታታት ዝሓብአ ሰብ ናይ 10 ዓመት ናይ ዜግነት እገዳ (Sperre) ይግበረሉ.
1. እቲ ናይ 10 ዓመት እገዳ (Sperre) እንታይ እዩ፣
-
ምእጋድ ዜግነት: ሓደ ሰብ ሓሶት ተጠቂሙ እንተተረኺቡ ወይ እቲ ዝተወሃቦ ዜግነት ብሰንኪ ምጥባር እንተተሰሪዙ (§ 35 StAG)፡ ን 10 ዓመታት ሓድሽ ናይ ዜግነት ሕቶ (Einbürgerungsantrag) ክሓትት ኣይክእልን።
-
ኩሉ ፎርም እንተኣማልአ’ውን: ኣብዚ ናይ 10 ዓመት እዋን፡ እቲ ሰብ ኩሉ ፎርም (ቋንቋ፡ ስራሕ፡ እቶት) እንተኣማልአ’ውን ቢሮ ዜግነት ንሕቶኡ ውድቅ ይገብሮ።
-
ሕጋዊ ሳዕቤን (Strafrecht): ብተወሳኺ ብመሰረት § 42 StAG ብገበን (Strafstat) ተሓታቲ ይኸውን።
2. ሓደገኛታት ስሕተታት (እገዳ ዘምጽኡ ነገራት)
እቲ እገዳ ዝግበር ብሰንኪ ንኣሽቱ ናይ ጽሕፈት ስሕተታት ዘይኮነስ፡ (vorsätzlich) ንኣገደስቲ ሓበሬታታት ምሕባእ እዩ፡
-
ናትካ B1 Zertifikat (ምጥባር ወይ ምግዛእ): ብገንዘብ ዝተገዝአ ወይ ብሓሶት ናይ ቋንቋ ሰርቲፊኬት (B1 Certificate) ወይ ናይ ዜግነት ቴስት ምቕራብ። (እዚ ሕጂ ብጽኑዕ ይምረመር ኣሎ!)።
-
መቕጻዕቲ ወይ ገበን ምሕባእ (Vorstrafen / Ermittlungsverfahren): ኣብ ቤት ፍርዲ ወይ ፖሊስ ዝያዳ መርመራ ዘለዎ ነገር ወይ መቕጻዕቲ እንተሃልዩ ምሕባእ ።
-
ናይ መንነት (Identität) ምጥባር: ዝተፈላለየ ስም ወይ ዕለተ-ልደትን ሰነዳትን ምጥቃም።
-
ካብ ጀርመን ወጻኢ ንነዊሕ እዋን ምጽናሕ: ካብ 6 ወርሒ ንላዕሊ ካብ ጀርመን ወጻኢ ጸኒሕካ ንቦታ ዜግነት ዘይመጥን ሓበሬታ ምሃብ።
-
ሓሰተኛ ሓበሬታ ብዛዕባ መርዓ: ኣብ ወጻኢ ሃገር ዘሎ ካልኣይ መርዓ ወይ ሓበሬታ ምሕባእ።
3. ተወካሊ (Vermittler) ወይ ካልኦት ሰባት ዘስዕብዎ ሓደጋ
ብዙሕ እዋን ሰባት ብዘይምፍላጥ ኣብ ሓደጋ ይወድቁ፡ ምኽንያቱ፡
-
"እዚ ሰርቲፊኬት ንሕና ነዳሉ Post/Agent" ዝብሉ ሰባት ብምእማን።
-
ዘይፍሉጣትን ሓሰተኛታትን ሰነዳት ብምፈረም።
-
ተኣማንነት: እቲ ሰነድ ሓሰተኛ እንተኾይኑ፡ እቲ መቕጻዕትን ናይ 10 ዓመት እገዳን ኣብቲ ኣመልካቲ እዩ ዝወደቕ ምበር ኣብቲ ኣሰላጣሊ ኣይኮነን።
4. ከመይ ጌርካ ካብዚ ሓደጋ ትከላኸል؟ (ምኽሪ)
-
ሓቀኛ ኩን: ኩሉ ዝመልእካዮ ፎርምታት (Formular) 100% ሓቀኛ ምዃኑ ኣረጋግጽ።
-
ሕጋዊ ሰነዳት ጥራይ ተጠቐም: ሰርቲፊኬት ቋንቋ (B1) ወይ ካልእ ሰነዳት ካብ ብኦፊሴዊ ዘረጋገጹ ትካላት (Goethe, TELC, g.e.v.) ጥራይ ውሰድ።
-
ብዓቕሊ ስራሕ: ጥቓ ዝኾነ "ቀልጣፈ መንገዲ" ወይ "ሕቡእ መፍትሒ" ኣይትኺድ።
-
ምጥርጣር እንተሃልዩካ: ሓደ ነገር ቅድሚ ምምላእካ ብግቡእ መርምሮ ወይ ናይ ሕጊ ምኽሪ (Anwalt) ሕተት።
መደምደምታ: እዚ ሕጊ እዚ ንሓቀኛታት ስደተኛታት ንምእጋድ ዘይኮነስ፡ ንስርዓት Einbürgerung ካብ ምጥባር ንምክላኸል ዝወጸ እዩ። ሓቀኛን ግሉጽን ብምዃን ናይ ጀርመን ዜግነትካ ብሰላም ከተረክብ ትኽእል ኢኻ!
Kommentar hinzufügen
Kommentare