ኣብ ጀርመን ንዝነብሩ ተካራየቲ ኣገዳሲ ዝኾነ ሓዲሽ ግዴታዊ ወጺኡ ኣሎ። ካብ 1 ጥቅምቲ 2024 ጀሚሩ፡ ኣብቶም ብ Heat Pump (Wärmepumpe) ዝሞቁ ኣፓርታማታት እቲ ናይ ሞቖት ወጻኢታት (Heizkosten) ብልክዕ ብዝተጠቐምካዮ መጠን (Verbrauchsabhängig) ክፍለጥ ይግብኦ።
እቶም ነዚ ዝኸውን መቖጸሪ (Zähler) ዘይነበሮም ኣካራየቲ (Vermietung) ክሳብ 30 መስከረም 2025 ክህልዎም ግደታ ነይርዎም። ካብ 1 ጥቅምቲ 2025 ጀሚሩ ድማ ብሓርፋፍ ገምጋም (Pauschale) ወጻኢታት ምእካብ ብሕጊ ተኣጊዱ ኣሎ።
1. እቲ ወጻኢታት ብከመይ ይምቀል?
-
50% ክሳብ 70%: ብልክዕ ብዝተጠቐምካዮ መጠን (ናይ ብሓቂ ዝተጠቐምካዮ ኤሌክትሪክ/ሞቖት) ይስሰብ።
-
እቲ ዝተረፈ (30% ክሳብ 50%): ብስፍሓት ገዛኻ (Wohnfläche) ይምቀል::
-
ውጽኢቱ: ውሑድ ዝተጠቐመ ሰብ ውሑድ ይከፍል፡ ብዙሕ ዝተጠቐመ ሰብ ድማ ዝያዳ ይከፍል::
2. እዚ ሕጊ ንመን ይምልከት?
-
ዝምልከቶም: ኣብ ብዙሕ ስደራታት ዝነብሩሉ ኣፓርታማታት (Mehrfamilienhäuser) ኾይኖም ማእከላይ ናይ Wärmepumpe ሞቖት ዘለዎም ተካራየቲ።
-
ንበይኑ ኣብ ዝቖመ ገዛ (Einfamilienhaus) ወይ ናይ ገዛእ ርእሱ ፍሉይ Wärmepumpe ኣብ ውሽጢ ኣፓርታማኡ ዘለዎ ሰብ አይምልከትን።
3. እቲ ኣካራዪ (Vermieter) ነዚ ሕጊ እንተዘይተተግቢርዎ እንታይ መሰል ኣሎካ?
-
እቲ ናይ ሞቖት ወጻኢ ብልክዕ ብዝተጠቐምካዮ መጠን እንተዘይተሓሲቡ፡ ተካራያይ ነቲ ናይ ሞቖት ክፍሊቱ ብ 15% ናይ ምጉዳል (Kürzen) ሕጋዊ መሰል ኣሎዎ።
-
እቲ መቖጸሪ ብርሑቕ ዝንበብ (fernablesbar) እንተዘይኾይኑ ድማ ተወሳኺ 3% ናይ ምጉዳል መሰል ኣሎ።
4. ቀንዲ ጥቕሙ እንታይ እዩ?
-
ግልጽነት: ብዲጂታል መቖጸሪታት ኣቢልካ ኣብ ወርሒ ክንደይ ከም ዝተጠቀምካ ብልክዕ ምፍላጥ ይከኣል።
-
ቆጣቦ ይረብሑ: ምቖት ዘይብዝሑ ሰባት ካብቲ ቀደም ዝከፍልዎ ዝነበሩ ወጻኢ ይጎድለሎም።(ምንጪ ሓበሬታ፡ Haufe.de, Bundesverband Wärmepumpe e.V., Statistisches Bundesamt)
Kommentar hinzufügen
Kommentare