ጀርመን ንሶርያውያን ስደተኛታት ዘለዎም ናይ ዑቕባ ፍቓድ (Schutzstatus) ክትሰርዝ ትዳሎ ኣላ

Veröffentlicht am 21. September 2026 um 20:41

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ጀርመን ኣለክሳንደር ዶብሪንድት (Alexander Dobrindt - CSU)፡ ነቲ ናይ ስደተኛታት መዝገብ ቤት ጽሕፈት (BAMF) ኣብዚ ቀረባ እዋን ንሶርያውያን ዝተሃበ ናይ ዑቕባ ፍቓድ (Schutzstatus) ብሰፊሑ ክስርዞ መምርሒ ክህብ ምኻኑ ተገሊጹ ኣሎ።

🔹 1. እቲ መስርሕ ብመን ይጅምር?

  • ናይ CDU/CSU ውሽጣዊ ፖሊሲ ኣፈኛ ኣለክሳንደር ትሮም (Alexander Throm) ከም ዝገለጾ፡ እቲ ናይ ምቁራጽ መስርሕ ብበይኖም ዝመጹ፡ ስራሕ ዘይሰርሑን ካብ መንግስቲ ናይ ደገፍ ገንዘብ (Grundsicherung/Bürgergeld) ዝቕበሉን መንእሰያት ክጅምር እዩ።

  • ከም ሓካይምን ነርሳትን (Pfleger) ዝኣመሰሉ ኣብ ስራሕ ዘለዉ ሶርያውያን ግን ናብ ናይ ስራሕ ፍቓድ (Arbeitsaufenthaltstitel) ናይ ምቕያር ዕድል ክህልዎም እዩ።

🔹 2. ናይ ብፍቓዶም ዝምለሱ ስደተኛታት ናይ ገንዘብ ደገፍ (Rückkehr-Prämien)፦

  • መንግስቲ ጀርመን ስደተኛታት ብፍቓዶም ናብ ሶርያ ክምለሱ ንምብርታዕ፡ ዝወሃብ ናይ ምምላስ ገንዘብ (Prämie) ክውስኽ እዩ።

  • "ነፍሲ ወከፍ ብፍቓዱ ዝምለስ ስደተኛ ካብቲ ብሓይሊ ዝስጎጉ (Abschiebung) ዝሓሰረ እዩ" ብምባል እቲ ፖሊቲከኛ ገሊጹ። ሕጂ ዝወሃብ ዘሎ ደገፍ ንሓደ  ሰብ 1,000 ዩሮ (Euro) እዩ።

🔹 3.  ስደተኛታትን ዘሎ ኩነታትን፦

  • ካብቶም ኣብ ጀርመን ዘለዉ ልዕሊ 900,000 ሶርያውያን፡ እቶም 450,000 ዝኾኑ ካብ መንግስቲ ናይ መነባበሪ ደገፍ (Grundsicherung) ይወሃቦም ኣሎ።

  • ኣብ ሶርያ ብ ታሕሳስ 2024 እቲ ናይ በሻር ኣል-ኣሳድ (Assad) ስርዓት ካብ ስልጣን ምስ ወደቐ እቲ ናይ ውሽጢ ሃገር ውግእ  ደው ስለ ዝበለ፡ BAMF ነቲ ናይ ዑቕባ ኩነታት ክምርምሮ ጅምሩ ኣሎ።

  • CDU ን SPD ን ኣብ ናይ ልፍንቲ ውዕሎም (Koalition)፡ ገበነኛታትን ንድሕነት ሃገር ዘስግኡን (Straftäter und Gefährder) ናብ ኣፍጋኒስታንን ሶርያን ምምላስ ከም ዝጅምሩ ተስማሚዕም እዮም።


Kommentar hinzufügen

Kommentare

Es gibt noch keine Kommentare.