ኣንገላ መርከል ብውጽኢት ምርጫ Sachsen-Anhalt ከም ዝሰንበደት ገሊጻ፦ "ልበይ ተሰቢሩ ኣሎ"

Veröffentlicht am 9. September 2026 um 12:04

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ጀርመን ዝነበረት ኣንገላ መርከል (Angela Merkel)፡ ኣብቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ክልል Sachsen-Anhalt ዝተኻየደ ምርጫ ባይቶ፡ እቲ ሰልፊ AfD ዘመዝገቦ ዓቢ ዓወትን ናይ ሰልፊ CDU ምውራድን ከም ዘሰንበዳ ኣፍሊጣ።

ኣብ Köln ኣብ ዝተኻየደ ናይ ቴክኖሎጂ ዋዕላ Digital X ተረኺባ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ እዚ ውጽኢትዚ ኣብ ታሪኽ ጀርመን ዓቢ ምዕራፍ ምዃኑ ገሊጻ ኣላ።

ቀንድታት ነጥብታት ካብ መግለጺ ኣንገላ መርከል

  • "ልቢ ኣባል CDU ይደሚ ኣሎ": መርከል ከም ኣባል ሰልፊ CDU መጠን እቲ ናይቲ ሰልፊ ድምጺ ናብ ፍርቒ ብምውራዱ ዘሕዝን ምዃኑ ብምግላጽ፡ "ከም ኣባል CDU መጠን ልበይ ይደሚ ኣሎ" ኢላ።

  • ውጽኢት AfD ዘሰንብድ እዩ: እቲ ናይ AfD ዓወት ንፖለቲካዊ መሬት ጀርመን ዘንቀጥቅጥን ዓቢ ለውጢ ዝኣተወን ምዃኑ ገሊጻ።

  • ሓሳብን ሓቅታትን ይርስዑ ኣለዉ: መርከል ከም ዝሓበረቶ፡ ሰባት ኣብ ክንዲ ኣብ ንጹር ሓቅታትን (Facts) ፍልጠትን ዝሙርከሱ፡ ብስምዒት (Gefühle) ጥራሕ ክምርሑ ምጅማሮም ንደሞክራሲ ሃገር ዓቢ ሓደጋ እዩ።

    • ምፍራስ Brandmauer ብፍቓድ AfDን BSWን፦

      • መራሒት AfD ዝኾነት Alice Weidel፡ እቲ ናይ ምግላል ፖሊሲ (Brandmauer) ከም ዝፈሸለን ምስ CDU ወይ ገለ ኣባላታ ክሰርሑ ከም ዝደልዩን ገሊጻ።

      • ናይ BSW መሪሕ ዝኾነት Sahra Wagenknecht ከምኡ’ውን ወካሊኣ Thomas Schulze፡ እቲ Brandmauer ስለ ዝፈረሰ ምስ ኩሎም ሰልፍታት (ምስ AfD ዘጠቓልል) ክዛረቡ ድሉዋት ምዃኖም ሓቢሩ።"Brandmauer" (መከላኸሊ መንደቕ): መርከል ንፖሊሲ ሰልፊ CDU ክትነቅፍ ከላ፡ ንAfD ብሓጹር ጥራሕ ካብ ምክልኻል ሓሊፍካ ፡ ፖለቲከኛታት ንህዝቢ ብንጹር መገዲ ዘእምን ዕላማታትን ፍታሕን ክህቡ ከም ዘለዎም ኣስሚራ ኣላ።

        1. "Brandmauer" (መከላኸሊ መንደቕ) እንታይ ማለት እዩ?

        ኣብ ፖለቲካ ጀርመን "Brandmauer" ማለት፡ ደሞክራሲያውያን ዝበሃሉ ቀንዲ ሰልፍታት (ብፍላይ CDU) ምስ እቲ ብየማናዊ ኣረኣእያኡ ዝፍለጥ ሰልፊ AfD ዝኾነ ዓይነት ምሕዝነት (Koalition) ወይ ሓቢርካ ናይ ምሥራሕ ውዕል ዘይምግባር ዝተሰማምዑሉ ሕጋዊ ወይ ፖለቲካዊ ሓጹር/መንደቕ እዩ።

        2. እቲ ሕጂ ዘሎ ፖለቲካዊ ውጥረት (ቀንድታት ነጥብታት)

  • መቕዋም Bundes-CDU (ሃገራዊ CDU)፦

    • ናይ CDU ሓዳስ ጀነራል ሰክረታሪ Franziska Hoppermann ግን ነዚ ውዕል ምሉእ ብምሉእ ነጺጋቶ። CDU ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ምውጻእ ምስ ዝደልዩ፣ ንሩስያ ምስ ዝደግፉን ንሕገ-መንግስቲ ጀርመን ምስ ዘየክብሩን ሰልፍታት (AfD) ፈጹሙ ከም ዘይሰርሕ ኣስሚራትሉ።

3. ኣብ መወዳእታ፦ ነገራት ናበይ ገጾም ይኸዱ ኣለዉ? (wie geht weiter)

  1. መንግስቲ ናይ ምምስራት ጸገም፦ AfD ወላካ ልዕሊ 43% ድምጺ ብምርካብ ዝዓበየ ሰልፊ እንተኾነ፡ ብዘይ ደገፍ ካልኦት ሰልፍታት ንበይኑ መንግስቲ ክቐውም ኣይክእልን።

  2. መፍትሒ ኣብ ኢድ BSWን CDUን እዩ፦ CDU ምስ AfD ዘይምስራሕ መርገጺኡ እንተ ኣጽኒዕዎ፡ BSW ምስ AfD ብምስራሕ ወይ ብምድጋፍ መንግስቲ ክምስርቱ ይኽእሉዶ ወይስ መስርሕ ክሳብ ሓድሽ ምርጫ ሕንፍሽፍሽ ክልወጥ እዩ ዝብል ኣብቲ ዝመጽእ መዓልታት ዝርአ ዩ።

መርከል ንደሞክራሲያውያን ሰልፍታት ዝሃበቶ ምኽሪ

ደሞክራሲያውያን ሰልፍታት ምስ ህዝቢ ዘለዎም ርክብ ክቕይሩ ከም ዘለዎም መርከል ኣተሓሳሲባ፦

  1. ምስ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ብቐጥታ ምዝራብ: ኣብ ክንዲ ብሓፈሻዊ ፖለቲካዊ መግለጺታት፡ ምስ ሰባት ብቐጥታ ብምርኻብ ብዛዕባ ለውጥታት ዝያዳ ምዝርራብ።

  2. ሓቅታት ንምእማን ምቃልስ: ስምዒታት ጥራሕ መሪሕነት ንኸይሕዝ፡ ንሓቀኛታት ሓበሬታታት ብግቡእ ምዝርጋሕ።

📢 ንተኸታተልቲ RBL TV :

ብዛዕባ እዚ ፖለቲካዊ ለውጥታትን ንስደተኛታት ዘለዎ ሳዕቤንን ዝያዳ ሕጋዊ ሓበሬታ ንምርካብ፡ መርበብ ሓበሬታና rbltv.com ተከታተሉ።

📌 ቪድዮታትና ብቕልጡፍ ንምርካብ ኣብ YouTube Channel RBL TV Entertainment  Subcribe ግበሩ!

ኣብ ጀርመን ንትካል ወይ መሰጋገሪ ለቓሕ ክረዲት ምስ ትደሊ ብናጻ ብሉጽ ወለድ ኣወዳድር

ኣብ ጀርመን ደገፍ ናይ ሕጊ ዝኾነካ ብሉጽ ዋጋ Rechtsschutzverischerung ብናጻ ኣወዳድር

ኣብ ጀርመን ገዛ ንምግዛእ Baufinansierung ብናጻ Form ምላእ ብድሕሪኡ ምሉእ Angebote ምኽሪ ካብ Tarifcheck ክመጻካ'ዩ


Kommentar hinzufügen

Kommentare

Es gibt noch keine Kommentare.