ኣብዚ ቀረባ እዋን ሰልፊ AfD ኣብ Sachsen-Anhalt ዓወታት ብምግንጻፉ፡ ብዛዕባ ምስጋግን (Remigration) ምጽባብ ሕግታትን ኣብ ማሕበረሰብና ዓቢ ስግኣት ተፈጢሩ ኣሎ። እንተኾነ ግን ሕጊ ጀርመን እንታይ ይብል? AfD ንዝበሎ ኩሉ መደባት ክገብሮ ይኽእልዶ?
1. 2/3 (ሲሶ) ካብ መደባት AfD ብሕጊ ዝኸልከል እዩ
ኣብ መደብ AfD ካብ ዝሰፈሩ ልዕሊ 50 ነጥብታት፡ እቲ ክልተ ሲሶ (2/3) ብሕጊ ክግበር ዘይከኣል እዩ፦
-
ኣብ ወሰን ሃገር ምእታው ምኽልካል፦ ብመሰረት ሕጊ ኤውሮጳ (EU-Recht)፡ ዝኾነ ዑቕባ ደላዪ ኣብ ወሰን ሃገር ዑቕባ ናይ ሕቶኡ የማልእ እምበር ብቐጥታ ክባረር ኣይከኣልን።
-
ውዕላት ምእላይ፦ ሓደ ክልል (Landesregierung) ብገዛእ ርእሱ ካብ ካልኦት ሃገራት ሰባት ንምምላስ ውዕል (Rückführungsabkommen) ክፌርም ኣይክእልን፤ እዚ ሓላፍነት ናይ መላእ ሃገር ጀርመን (Bund) ጥራሕ እዩ።
-
ገንዘብን ትምህርትን ምእጋድ፦ ንስደተኛታት ዝወሃብ ሓገዝ ገንዘብ ምብታኽ ወይ ንደቆም ፍሉይ ክፍሊ (Sonderklassen) ምእታው ንሕገ-መንግስትን ሰብኣዊ መሰላትን ዝጣሓስ እዩ ስለዚ ኣይትፍርሑ።
2. እቲ ሓቀኛ ሓደጋ ኣብ ቅልጣፌን ምምሕዳርን እዩ
AfD ንመላእ ሕጊ ጀርመን ክቕይሮ እንተዘይከኣለ’ውን፡ ኣብቲ ዘሎ ሕጊ ተጠቒሙ መዓናቐፊታት ክፈጥር ይኽእል እዩ፦
-
መሰል ምምሕዳር (Spielraum): ናይ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ (Niederlassungserlaubnis)፡ ናይ ዜግነት (Einbürgerung) ወይ ናይ ስራሕ ፍቓድ (Arbeitserlaubnis) ሕቶታት ክድንጉዮ ወይ ክኣግዶ ይፍትን እዩ ስለዚ ካብ ሕጂ ክንጋየ ኣለና ወረቓቕትና ንምቕያር ብፍላይ ኣብ Sachsen Anhalt ዘለኹም።
-
ናይ ስራሕ ፍቓድ ምኽልካል፦ ንDuldung ዘለዎም ሰባት "ንገንዘብ ኢሎም ዝመጹ እዮም" ብምባል ናይ ስራሕ ፍቓድ ክኸልኦም ይፍትን እዩ።
-
ፍታሕ፦ ከምዚ ዓይነት በደል እንተኣጋጢሙ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብቤት-ፍርዲ (Gericht) ኣቢሉ ክጣበቕን መሰሉ ክረክብን ይኽእል እዩ እንተ ዘይኮነ ብቕልጡፍ ዞባ ምቕያር ተመራጺ ዩ።
3. ሃገራዊ መንግስቲ (Bund) ንሕጊ ይቆጻጸሮ እዩ
ቀንድታት ሕግታት ስደተኛታት (Aufenthaltsgesetz) ዝወጹ ብሃገራዊ ባይቶ (Bundestag) እምበር ብሓደ ክልል ኣይኮነን። እቲ ሃገራዊ መንግስቲ (Bund)፡ ዝኾነ ክልል ሕጊ ክጣሕስ ከሎ ብቐጥታ መምርሒታት ብምውጻእ ክዓግቶ ይኽእል እዩ ስለዚ AfD ገባርን ሓድግን ክኸውን ኣይክእልንዩ።
Kommentar hinzufügen
Kommentare