🚀 ኣብ ጀርመን ዝበለጸ ናይ Kredit፣ Kfz-Versicherungን Finanzierungን መምርሒ (2026/2027)

Veröffentlicht am 1. September 2026 um 20:29

ኣብ ጀርመን Kredite (ለቃሕ ገንዘብ)፣ ናይ መኪና ውሕስነት (Kfz-Versicherung) ወይ ናይ ሓደ ቤት ህንጻ (Baufinanzierung) ክትሓትት ከለኻ፡ ብዘይ ፍልጠት ቀጥታ ናብ ባንክኻ ምኻድ ልዑል ወለድ (Zinsen) ክትከፍል ወይ ድማ ውዑልካ ክንጸግ (Storno) ይከኣልዩ።

ኣብዚ መምርሒዚ፡ ብመሰረት ዘለካ ናይ መነባብሮ ፍቓድ (Aufenthaltstitel)ን Schufaን  ዝበለጸ ባንክ ከመይ ገይርካ ከም እትመርጽን፡ ወለድ (Zinsen) ከመይ ገይሩ ከም ዝሕሰብን ብንጹር ክንርኢ ኢና።

📊 1. ወለድ (Zinsen) ከመይ ይሕሰብ? (3,49% ወይስ 10,99%?)

ኣብ ጀርመን ዘለዋ ባንክታት (ከም Targobank ወይ Creditplus) ነቲ ናይ ወለድ መጠን (Zinsen) ብቀጥታ ብመሰረት ናይቲ ሰብ Bonität (ዓቕሚ ክፍሊትን Schufaን) እየን ዝውስናኦ። እዚ "Bonitätsabhängiger Zins" ይበሃል፤ ማለት ኩሉ ሰብ ሓደ ዓይነት Zinsen ኣይረክብን እዩ።

💡 Targobank & Creditplus ከም ኣብነት፦

ባንክ: Targobank

  • ትሑት ወለድ (Min. Zins): 3,49%

  • ልዑል ወለድ (Max. Zins): 10,99%

  • 2/3 ናይ ዓደግቲ ወለድ (2/3-Zins): 6,95% (መብዛሕትኡ ሰብ ዝረክቦ)

ባንክ: Creditplus

  • ትሑት ወለድ (Min. Zins): 4,99%

  • ልዑል ወለድ (Max. Zins): 9,99%

  • 2/3 ናይ ዓደግቲ ወለድ (2/3-Zins): 9,25% (መብዛሕትኡ ሰብ ዝረክቦ)

🟢 ትሑት Zinsen (ንኣብነት 3,49% ወይ 4,99%) ዝረክብ ደኣ መን እዩ?

  • Deutsche Pass ወይ Niederlassungserlaubnis ዘለዎ።

  • ልዑል ደሞዝ (ወርሓዊ ካብ 2.500€ ንላዕሊ ጽሩይ ኣታዊ)።

  • ብሉጽ Schufa Score (98%+ Score) ዘለዎ።

  • ጽኑዕ ናይ ስራሕ ውዑል (Unbefristeter Arbeitsvertrag, Probezeit ዝወደአ)።

🔴 ልዑል Zinsen (ንኣብነት 9,99% ወይ 10,99%) ዝረክብ ደኣ መን እዩ?

  • ውሱን ናይ መነባብሮ ፍቓድ (Befristeter Aufenthaltstitel - 3 ዓመት) ዘለዎ (ባንክታት ስግኣት ስለ ዝስመየን ወለድ የልዕልኦ)።

  • ትሑት ደሞዝ (ወርሓዊ 1.300€ - 1.600€ ዘእቱ)።

  • ትሑት Schufa Score ወይ ነዊሕ ናይ ለቃሕ እዋን (Laufzeit - 7 ዓመት) ዝሓተተ።

💡 ወሳኒ ሕጊ (2/3-Zins Regel): ኣብቲ  3,49% ዝተራእየ ማለት ኩሉ ሰብ 3,49% ይረክብ ማለት ኣይኮነን። ብሕጊ ክልተ ሢሶ (2/3) ናይቶም ሰባት ዝረክብዎ ወለድ እቲ ወሳኒ እዩ (ንኣብነት ኣብ Targobank 6,95% እዩ)።

💳 2. ብመሰረት ፍቓድ መነባብሮኻ (Aufenthaltstitel) ዝበለጹ ባንክታት

🔹 1. ን 3 ዓመት Aufenthaltstitel (ወይ ውሱን ፍቓድ) ዘለዎም

  • Auxmoney (4,20% - 19,93%): ንሓደሽቲ መጻእቲ ወይ Schufa ውሑድ ንዘለዎም ቀዳማይ መፍትሒ እዩ። Auxmoney ብቀጥታ ካብ ውልቀሰባት (P2P) ስለ ዝልቅሕ፡ ውዑልካ ናይ ምጽዳቕ (Zusage) ዕድሉ ካብ ኩሎም ዝለዓለ እዩ።

  • Creditplus (4,99%) & Targobank (3,49%): Kredite ብቐሊሉ ዘጽድቃ (sehr einfacher Kredit) ኮይነን፡ እቲ ናይ ልቃሕ እዋን (Laufzeit) ካብቲ ናይ ፍቓድ መነባብሮኻ እዋን ዘይበዝሕ እንተ ዀይኑ ብኡንብኡ የጽድቓ እየን።

🔹 2. ን Niederlassungserlaubnis (ናይ ዘለኣለም መነባብሮ) ዘለዎም

  • SWK Bank (5,39%) & C24 Bank (5,53%): Niederlassungserlaubnis ንዘለዎም ቀልጡፍ ናይ ገንዘብ ክፍሊት (schnellster Kredit) ዝህባን ብኦንላይን ብኡንብኡ ዝጸድቃን እየን።

🔹 3. ን ጀርመናዊ ፓስፖርት (Deutsche Pass) ዘለዎም

  • Deutsche Bank (3,25%) & ING (3,99%): ጽቡቕ Schufaን ጀርመናዊ ዜግነትን ንዘለዎም ካብ ኩሉ ዝተሓተ ናይ ወለድ መጠን (Zinsen) ዝህባ ዓበይቲ ባንክታት እየን።

❌ ስለምንታይ ካብ Sparkasse ወይ DKB ምጥንቃቕ የድሊ?

  • Sparkasse (Kredit-per-Klick): ብሰንኪ ናይ ጨንፈራትን ሰራሕተኛታትን ወጻኢታት (Filialkosten)፡ እቲ ወለድ ክሳብ 16,49% ይዓርግ እዩ። ካብ Sparkasse ምሕታት ገንዘብካ ብኸንቱ የብክኖ።

  • DKB Bank: ጽኑዕ ናይ Aufenthaltstitelን Schufaን ሕጊ ስለ ዘለዎም፡ ንናይ 3 ዓመት ፍቓድ መነባብሮ ዘለዎም ሰባት Kredite ናይ ምነጻግ ዕድሉ (Ablehnung) ኣዝዩ ልዑል እዩ።

⚠️ Kredite ብ 100% ምእማን ምእንቲ ክጸድቀልካ 3 ወሰንቲ ሕግታት

  1. Probezeit (ናይ ፈተና እዋን): ኣብ ስራሕ Probezeit እንተ ኣለኻ Kredite ኣይትሓትት። Probezeit ምስ ወዳእካ ጥራይ ሓትት።

  2. ናይ ልቃሕ እዋን (Laufzeit): ናይ 3 ዓመት ፍቓድ ሒዝካ ናይ 7 ዓመት ለቃሕ ኣይትሓትት። እቲ ናይ ለቃሕ እዋን ካብቲ ናይ መነባብሮ ፍቓድካ ዝሓጸረ ክኸውን ኣለዎ።

  3. Schufa ጥንቃቐ: ኣብ ሓደ እዋን ኣብ 5 ዝተፈላለያ ባንክታት ቀጥታ Formular ኣይትመልእ። ኣብ መርበብና ብምውድዳር (Vergleich) ጥራይ ሓደ ዝበለጸ መረጽ።

🛡️ ካልኦት ኣገደስቲ ውዑላት (Rechtsschutz, Auto & Baufinanzierung)

  • 🚗 Kfz-Versicherung (ናይ መኪና ውሕስነት):

    ኣብ ጀርመን ክሳብ 30. November ጥራይ እዩ ናይ መኪና ውሕስነት ብዘይ መቕጻዕቲ ክትቕይር ዝከኣል። ሕጂ ውሕስነትካ ብምውድዳር ክሳብ 300€ ኣብ ዓመት ክትቆጥብ ትኽእል ኢኻ!

  • ⚖️ Rechtsschutzversicherung (ናይ ሕጊ ውሕስነት):

    Kredit ቅድሚ ምሕታትካ ወይ ምስ ኣተኻ፡ ምስ ኣስራሒኻ ወይ ምስ ኩባንያታት ጸገም እንተ ኣጋጢሙካ ናይ ሕጊ ውሕስነት ምህላውካ ብጣዕሚ ወሳኒ እዩ።

  • 🏠 Baufinanzierung (ምዕዳግ ቤት/ቤትካ ብለቃሕ ምውናን):

    ቤት ወይ ንብረት ክትገዝእ እንተ ደሊኻ፡ Niederlassungserlaubnis ወይ ጀርመናዊ ፓስፖርት እንተ ኣልዩካ ብጽቡቕ ሓግዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።


Kommentar hinzufügen

Kommentare

Es gibt noch keine Kommentare.