ቡንደስታግ (ባይቶ ጀርመን) ሓደስቲ ሕግታት ኣጽዲቑ
ባይቶ ጀርመን ንኣፕሊኬሽን (App) „d-you“ ዝኸውን መሰረት ኣንቢሩ ኣሎ። ካብ 2027 ጀሚሮም ዜጋታት ንመነጸሪ ወረቐቶም (Personalausweis) ኣብ ሞባይሎም ሴይፍ ብምግባር ብኢንተርኔት (Online) ኣቢሎም መንነቶም ከረጋግፁ ይኽእሉ። ባይቶ ጀርመን ኣብ ዝመጽእ ዓመት ንዝጅምር ዲጂታላዊ ቦርሳ (digital Wallet) ዝኸውን ሕጋዊ መሰረት ኣጽዲቑ ኣሎ፡
ኣብ መጻኢ ዜጋታት ብኣፕሊኬሽን „d-you“ ኣቢሎም ኣብ ቅድሚ መንግስታውያን ኣካላትን ትካላትን ብኢንተርኔት ብቐሊሉ መንነቶም ከረጋግፁ ይኽእሉ። ኣብ ውሽጢ መስርሕ ድማ ኣብቲ ናይ ብሓቂ ዓለም (analog) እውን እንተኾነ ኣብ ሞባይል ዘሎ መነጸሪ ጽሑፍ ጥራይ እኹል ብምኻኑ፡ እቲ ናይ ፕላስቲክ ካርድ ኣብ ገዛ ከተቐምጦ ትኽእል። ብተወሳኺ ደረጃ ብደረጃ ካልኦት መነጸሪታት ከም ናይ ምዝዋር ፍቓድ (Führerschein) ዝኣመሰሉ ክውስኹ እዮም።
እታ ናይ ዲጂታል ቦርሳ ኣፕሊኬሽን (Wallet) „d-you“ ክትበሃል እያ። ከም ሓበሬታ ናይ ፌደራል ሚኒስተር ዲጂታል ካርስተን ቪልድበርገር (CDU)፡ እዚ Wallet እዚ ኣብ 2 ጥሪ 2027 (2. Januar 2027) ስርሑ ክጅምር እዩ። ጀርመን በዚ ኣቢላ ሓደ ናይ ኤውሮጳ ሕብረት (EU) ውሳኔ ተተግብር ኣላ፡ እዚ ውሳኔ’ዚ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ሃገር ንዲጂታል መነጸሪ ዝኸውን ኣፕሊኬሽን ኣብ ስማርትፎን ክተዳልው ይግድድ። እቲ ኣብ ባይቶ ዝጸደቐ ሕጊ ነዚ ሕጋዊ መሰረት የንብር።
ብተወሳኺ እዚ ሕጊ’ዚ ንዜጋታት ካብ ናይ ቢሮክራሲ (ናይ ወረቐት) ጾር ዝኣልዩ ስጉምትታት ዝሓዘ እዩ፡
-
ኣብ እዋን ምቕያር ኣድራሻ (Umzug) ናብ ቤት ጽሕፈት (Amt) ኸይድካ ኣብ ፖስፖርትኻ ናይ ኣድራሻ ክትቕይር ኣይትግደድን።
እቲ ሕጊ ገና ብ ባይቶ ፌደራል (Bundesrat) ምጽዳቕ ተሪፍዎ ኣሎ።
2. ሓጸርቲ መግለፂታት
እዚ ዜና እዚ ንሰባት ኣብ ጀርመን ዝነብሩ ዓበይቲ ሓደስቲ ፎርማሊቲታት (ለውሕታት) የብስር፡
-
Ausweis-App „d-you“ (ካብ 2027):
-
መነጸሪ ወረቐትካ (Personalausweis) ኣብ ስማርትፎንካ ብምስናቕ ብኢንተርኔት ኣቢልካ ውዕላት ክትኣስር ወይ ምስ ቢሮታት ክትራኸብ ትኽእል።
-
ኣብ መጻኢ ናይ ፕላስቲክ ካርድ ምሓዝ ኣየድልይን እዩ።
-
-
ንዕድመ 70 ንላዕሊ (ኣረጋውያን):
-
መነጸሪ ወረቐት (Personalausweis) ድሕሪ 10 ዓመት ምሕዳስ ኣየድልን። ሓደ ግዜ እንተጌሮሞ ንዘለኣለም ይሰርሕ።
-
-
ምቕያር ኣድራሻ (Reisepass):
-
ገዛ ክትቀይር ከለኻ ናብ Bürgeramt ኸይድካ ኣብ ፖስፖርትካ ሓዲሽ ኣድራሻ ምጽሓፍ ኣየድልይን። እቲ ፖስፖርት ብዘለዎ ይሰርሕ።
-
-
ሕጋዊ መስርሕ:
-
እዚ ሕጊ’ዚ ብ ባይቶ (Bundestag) ተቐባልነት ረኺቡ ኣሎ፡ እንተኾነ ግን ኣብ ግብሪ ቅድሚ ምውዓሉ ብ Bundesrat (ባይቶ ክፍለ ሃገራት) ክጸድቕ ኣለዎ።
-
Kommentar hinzufügen
Kommentare