ኣብ ጀርመን ካብ 1 ጥሪ 2027 ዝጅምር ሓድሽ ሕጊ ግብሪ (Steuerbescheid) ዝምልከት

Veröffentlicht am 28. September 2026 um 20:53

ካብ 1 ጥሪ 2027 ጀሚሩ ቤት ጽሕፈት ግብሪ (Finanzamt) ናይ ግብሪ ውጽኢት ውሳኔ (Steuerbescheid) ብወረቐት ልኢኹ ኣይሰድድን እዩ። ኩሉ ነገር ብዲጂታል መገዲ ጥራይ ክካየድ እዩ።

ቀንዲ ነጥብታት፦

  • ዲጂታላዊ ምቕባል፦ ግብሪ ናይ ምምላስ ሕቶኻ ብመገዲ ኤልስተር (Elster) ወይ ካልእ ዲጂታላዊ ሶፍትዌር ምስ እተእቱ፣ ናይቲ ግብሪ ውሳኔ ብወረቐት ዘይኰነስ ኣብ Elsterpostfach (ናይ ኤልስተር ፖስታ ሳጹን) ብዲጂታል መገዲ ጥራይ ክበጽሓካ እዩ። ብተወሳኺ ኣብቲ ዝተመዝገበ ኢመይልካ ምልክታ ክመጻካ እዩ።

  • አገዳሲ መጠንቀቕታ (ናይ ስርቂ መጻወድያ - Phishing): ካብ ቤት ጽሕፈት ግብሪ ዝመሰላ ግዙፋት ናይ ሓሶት ኢመይላት ክትጥንቀቕ ኣለካ። ቤት ጽሕፈት ግብሪ ፈጺሙብ (Anhang) ወይ ሊንክ ኢመይል ኣይሰድድን እዩ።

  • ብወረቐት ንምቕጻል ዝግበር፦ እቲ ዲጂታላዊ ውሳኔ ብዲጂታል ክመጾ ዝደሊ ሰብ ብወረቐት ጥራይ ክቕጽል እንተደልዩ፡ ኣብ ኤልስተር ኮይኑ ከምዚ ዝስዕብ ክገብር ኣለዎ፦

    • “Formulare & Leistungen“ → „Elektronische Bekanntgabe verwalten“ die „Dauerhafte postalische Bekanntgabe beantragen“. ዝብል ብምምረጽ ብወረቐት ክመጸካ ክትሓትት ትኽእል።

  • ግዜ ናይ ምዕቃብ (Einspruch): ዲጂታላዊ መርመራ ምስ በጽሓካ ብህጹጽ ክትምርምሮ ኣለካ። ካብታ ዝቐረበሉ 4ይ መዓልቲ ጀሚሩ ናይ 1 ወርሒ ናይ ምቅዋም (Einspruch) ግዜ ይጅምር። ነዚ ግዜ እዚ ካብ ዝሰሓብዎ እቲ ውሳኔ ከም ዝተቐበልካዮ ይቑጸር።

  • ዕላማ ናይዚ ለውጢ፦ መጀመርታ እዚ ሕጊ እዚ ካብ 1 ጥሪ 2026 ክጅምር ተታሒዙ ነይሩ እንተኾነ እውን፡ ተጠቃሚታት ግዜ ንክረክቡን ናይ ቴክኒክ ምድላዋት ንኪማላእን ናብ 1 ጥሪ 2027 ተሰጋጊሩ ኣሎ።


Kommentar hinzufügen

Kommentare

Es gibt noch keine Kommentare.