ኣብ ወርሒ Oktober 2026 ኣብ ጀርመን ንዝነብሩ ዜጋታት፣ መራሕቲ መካይንን ተጠቀምቲ ኮምፒተርን ዝምልከት ዓበይቲ ለውጣታትን ሓድሽ ሕግታትን ክጅምሩ እዮም። እቲ ሓፈሻዊ ጽማቕ እንሆ፦
-
ዋጋ ቤንዚንን ዲዘልን ክጎድል እዩ: ካብ 1 ኦክቶበር ጀሚሩ መንግስቲ ጀርመን ኣብ ቤንዚንን ዲዝልን ዝግበር ናይ ሃገራዊ ቐረጽ ግብሪ (Energiesteuer) ክሳብ መወዳእታ 2026 ብ 14 ሳንቲም ንነፍሰወከፍ ሊትሮ ክንኪ እዩ። ብተወሳኺ ምስቲ ተወሳኺ ግብሪ (Umsatzsteuer) ብምሕዋስ ዳርጋ 17 ሳንቲም ንነፍሰወከፍ ሊትሮ ምግዳል ዋጋ ክግበር እዩ።
-
ዲጂታላዊ መደባት ጥንቃቐን ውክልናን (Vorsorgeverfügungen): ካብ 1 ኦክቶበር ጀሚሩ ናይ ሕክምናን ውክልናን ሰነዳት ብዲጂታል መገዲ ኣብ ማእከላይ መዝገብ ክፍለጥ ይኽእል። እዚ ድማ ሓካይምን ፍርዲ ቤትን ኣብ እዋኑ ንትሕዝቶ እቶም ሰነዳት ብቐሊሉ ክረኽብዎ ይሕግዝ።
-
ሓድሽ ሕጊ ኬሚካል (PFHxA) ኣብ ኣቕሓ መዓልታዊ ንጥፈታት: ካብ 10 ኦክቶበር ጀሚሩ ኣብ ክዳውንቲ፣ ጫማን፣ መሳርሒ መግቢ ከምኡውን መዋዕውዒ ፍርያት ዝውዕሉ ፍሉጣት ኬሚካላዊ (PFHxA) ጽኑዕ ናይ ሕጊ ዶባት ክግበረሎም እዩ።
-
ናይ Microsoft Office LTSC 2021 መወዳእታ ሓገዝ: ማሕበር ማይክሮሶፍት ኣብ 13 ኦክቶበር 2026 ን Office LTSC 2021 (Word, Excel, PowerPoint, Outlook) ዝህቦ ዝነበረ ናይ ቴክኒክ ሓገዝን ናይ ጸጥታ መአረምታን (Security Updates) ከብቅዕ እዩ።
-
ኣታክልትን ኣግራብን ምቑራጽ: ኣብ መንጎ 1 ማርች ክሳብ 30 መስከረም ብሕጊ ተገዲቡ ዝነበረ ናይ ኣግራብን ቆጥቋጥን ምቑራጽ ክልከላ ካብ 1 ኦክቶበር ጀሚሩ የብቅዕ።
-
ለውጢ ኣብ ባቡርን መስተን: ኣብ ናይ ጀርመን ባቡራት (Deutsche Bahn) ዝተጀመረ ናይ መስተ (ኣልኮል) ጽኑዕ ክልከላ ክሳዕ 15 ኦክቶበር ኣብ ልዕሊ 5,400 መዕረፊ ባቡራት ክዝርጋሕ እዩ። ብተወሳኺ ኣብ መገዲ በርሊን-ሃኖቨር ናይ ጽገና ስራሕ ብምህላዉ ነዊሕ ሰዓታት ክወስድ ይኽእል።
-
ሰዓታት ምምላስ (Sommerzeit endet): ኣብታ መወዳእታ ሰሙን ናይ ኦክቶበር (ለይቲ ካብ 24 ናብ 25 ኦክቶበር) ሰዓታት ካብ ሰዓት 3 ናብ ሰዓት 2 ድሕርት ክትምለስ እያ። በዚ ድማ ናይ ክረምቲ ሰዓት (Normalzeit) ክጅምር እዩ።
ተወሳኺ ደስ ዘብል ዜና ካብ 2027 ጀሚሩ ኣብ ጀርመን ንዝውለዱ ቆልዑ ዝወጽእ ናይ ሕጻናት ሓገዝ (Kindergeld) ብዘይ ዝኾነ ናይ ወረቐት ሕቶ ብኣውቶማቲክ መገዲ ናብ ባንክ ሒሳብ ስድራቤት ክኣቱ እዩ።
-
ቀንዲ ለውጢ: ስድራቤት ወዲ ሰብ ምስ ተወልደ ሕቶ Kindergeld ክመልኡ ኣይክእሉን እዮም። እዚ ድማ ኣብ ዓመት ኣስታት 300,000 ሕቶታት ከም ዝተርፍ ክገብር እዩ።
-
ኣብ ክልተ ክፍሊ ዝጅምር:
-
ቀዳማይ ደረጃ፡ ቅድሚ ሕጂ ቆልዓ ንዘለዎም ስድራቤት ሓድሽ ውሉድ ምስ ወሰኹ ብኣውቶማቲክ ሕሳብ ኣብ ባንኮም ክኣቱ ኢዩ።
-
ካልኣይ ደረጃ፡ ንመጀመርታ ውሉድ እውን እንተኾነ ሓበሬታታት ኤጀንሲ ምስ ዝማላእ ብኣውቶማቲክ ክኣቱ ኢዩ።
-
-
ምንታይ የድሊ? ስድራቤት ባንክ ሒሳብ ቁጽሪ (IBAN) ብመገዲ ኤልስተር (ELSTER) ወይ IBAN+ ኣቢሎም ከቐምጡ ይኽእሉ። ሓበሬታታት ድማ ኣብ መንጎ ቤተ-ጽሕፈታት ባዕሉ ብዲጂታል ክለዋወጡ ይኽእሉ ።
-
Kommentar hinzufügen
Kommentare