ኣብ ጀርመን ክሬዲት (Ratenkredit) ወይ ናይ ቤት ምዕዳግ ፋይናንስ (Baufinanzierung) ክትሓትት ከለኻ፡ ባንክታት ነተን ቀንዲ 3 ነገራት እዮም ዝምርምሩ፦ ናይ መንበሪ ፍቓድ (Aufenthaltstitel)፣ ናይ ስራሕ ኩነታት (Arbeitsverhältnis)፣ ከምኡ’ውን ቦኒተት/ሹፋ (Bonität & Schufa)።
ነፍሲ ወከፍ ኩነታት እንታይ ከም ዝመስልን ብኸመይ ክትጥቀመሉ ከም እትኽእልን ኣብዚ ተገሊጹ ኣሎ፦
1. ናይ መንበሪ ፍቓድ (Aufenthaltstitel)
-
Deutsche Staatsangehörigkeit (ናይ ጀርመን ዜግነት):
-
ዕድል ምጽዳቕ: 100%
-
ባንክታት ዝኾነ ናይ መንበሪ ፍቓድ ሕቶ ኣየልዕሉን እዮም።
-
-
Niederlassungserlaubnis (ቋወሚ ናይ መንበሪ ፍቓድ):
-
ዕድል ምጽዳቕ: 95% - 100%
-
ከም ናይ ጀርመን ዜግነት ተቖጺሩ ብዘይ ዝኾነ ጸገም ክሳብ ዓበይቲ ክሬዲት ይጸድቕ።
-
-
Aufenthaltserlaubnis 3 Jahre (ግዝያዊ ናይ 3 ዓመት ፍቓድ):
-
ዕድል ምጽዳቕ: 60% - 80%
-
ቀንዲ ምስጢር: እቲ ዝውሰድ ክሬዲት ምኽፋሊ ግዜ (Laufzeit) ካብቲ ናይቲ መንበሪ ፍቓድ ዝወደኣሉ መዓልቲ ክሓልፍ የብሉን (ምሳሌ፦ 2 ዓመት ፍቓድ እንተ ኣልዩካ፡ ናይ 24 ወርሒ Laufzeit ምሕራይ)።
2. ናይ ስራሕ ኩነታት (Arbeitsverhältnis)
-
Mit Festvertrag (ቀዋሚ ናይ ስራሕ ውዕል - Unbefristet):
-
እቲ ዝበለጸን ቀሊልን መገዲ እዩ። ባንክታት ንቐዋሚ ሰራሕተኛታት ብኡንብኡ ይኣምኑ እዮም። (Probezeit ክውዳእ ኣለዎ)።
-
-
Ohne Festvertrag / Befristet (ብግዝያዊ ውዕል ወይ Probezeit):
-
ዕድል ምጽዳቕ: ዝተሓተ እዩ።
-
መፍትሒ (Tipp): ብኽልተ ሰብ ምሕታት (Zweiter Kreditnehmer) — ብጻይካ ቀዋሚ ስራሕ ዘለዎ ሰብ (ምሳሌ፦ በዓልቲ ቤትካ) ብሓደ እንተ ሓቲትካ፡ ብኡንብኡ ይጸድቕ።
-
3. እቲ ዝዓበየ ነጥቢ፦ Bonität ን Schufa ን
ባንክታት ናይ መንበሪ ፍቓድካን ስራሕካን ርእዮም ምስ ወድኡ፡ ቀጥታ ነቲ ናትካ Schufa Score ይምርምሩ፦
-
Positiv Schufa (ጽቡቕ Schufa):
-
-
ዕዳታትካ ብእዋኑ ትከፍል እንተ ኴንካን ሕማቕ Eintrag ዘይብልካን እንተ ኾይኑ፡ ባንክታት ብሕሰር ዝበለ ወለድ (Zinsen) ክሬዲት ይህቡኻ።
- Negativ Schufa (ሕማቕ Schufa):
-
ኣብ Inkasso ወይ ዘይተከፈለ ዕዳ እንተ ኣልዩካ፡ ባንክታት ብኡንብኡ ይነጽግዎ (Storno ይገብርዎ)።
-
-
-
-
4. Wohnung kaufen (ቤት ምዕዳግ / Baufinanzierung)
ቤት ንምዕዳግ ናይ ግደታ Niederlassungserlaubnis ወይ ናይ ጀርመን ዜግነት፡ ከምኡ’ውን ቀዋሚ ስራሕ (Festvertrag) የድሊ። እዚ ዓቢ ውዕል ስለ ዝኾነ ባንክታት ብጣዕሚ ብጥንቃቐ እዮም ዝመርምርዎ።
💡 መደምደምታን ምኽርን (Tipp)
ካብ ሕማቕ ምንጻግ ንምድሓንን ብዛዕባ ወለድ ምውዳደርን፡ ናይ Tarifcheck / Check24 Rechner ምጥቃም እቲ ዝበለጸ መገዲ እዩ። ብዘይ ዝኾነ ናይ Schufa ሕማቕ ጽልዋ (Schufa-neutral) ኩሎም ባንክታት ዘቕርብዎ ዋጋ ብነጻ ክትወዳድር ትኽእል ኢኻ!
-
-
-
Kommentar hinzufügen
Kommentare