- ኣብ ከተማ Karlsruhe 250 ኪሎ ግራም ዝሚዛኑ ናይ ካልኣይ ኲናት ዓለም ቦምባ ተረኺቡ ኣሎ. ኣብቲ ከባቢ ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም ብዙሕ ቦምባታት ተደርቢዩ ነይሩ.
- ኣበይ ተረኺቡ? ኣብ ካርልስሩኤ (ማእኸል ከባቢ Südstadtን Güterbahnhofን) 250 ኪሎ ግራም ዝምዝናኑ ናይ ኲናት ዓለም ቦምባ ተረኺቡ።
- መጠንቀቕታታት (Alarm & Evacuation): እቲ ከባቢ ብ200 ሜትር ዙርያ ተዓጽዩ፡ ኣስታት 1,000 ዝግመቱ ሰባት ካብቲ ቦታ ክወጹ ተገዲዶም። 2 ወይ 3 ግዜ ዝመጸ ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ (Alarm) ውን ንቡዝሓት ኣሰንቢዱ።
- መጉዓዝያን (Train Traffic): እቲ ኣብ መንጎ ካርልስሩኤን ማንሃይምን ዝነበረ ናይ (Bahnstrecke) መስመር ተዓጽዩ ድሕሪ ምጽናሕ ዳግማይ ተፈቒዱ እዩ
- ኩነታት ብዓወት ተዛዚሙ: እቲ ናይ ቦምባ መፍተሒ ጉጅለ (Kampfmittelbeseitigungsdienst) ነቲ ቦምባ ብዓወት ብሰላም ፈቲሕዎ፤ ሕጂ ነቶም ነበርቲ ናብ ቤቶም ክምለሱ ተፈቒድሎም ኣሎ
Kommentar hinzufügen
Kommentare