ብዙሓት ሰባት ኣብ CHECK24 ናይ ልቃሕ (Kredit) ወይ ናይ ባንኪ ውድድር ክገብሩ ከለዉ፡ ናይ ባንኪ መእተዊ ሓበሬታ (Online Banking Zugangsdaten) ከእትዉ ስለዝሕተቱ ይፈርሑን ይተሓሳሰቡን እዮም። እዚ ጽሑፍ እዚ ነቲ መስርሕ ብንጹር ብምብራህ፡ ስለምንታይ ዘይትፈርሕን ብቕልጡፍ ክሬዲት (Kredit) ዝጸድቀልካን የረድእ።
1. Tink Germany እንታይ እዩ? ስለምንታይከ CHECK24 ይጥቀመሉ?
-
Tink Germany ማለት ኣብ ኤውሮጳ ብሕጊ ዝተፈቐደሉን ዝተመዝገበን ናይ ፋይናንስ ተክኖሎጂ (FinTech / Open Banking) ኩባንያ እዩ (ናይ VISA ዓቢ ኩባንያ ኣካል እዩ)።
-
ስለምንታይ ይጥቀሙሉ? CHECK24 ናይ ባንኪ ዳታኻ ብቐጥታ ንምርኣይ ሕጋዊ መሰል ስለዘይብሉ፡ ብ Tink ኣቢሉ ብውሑስ መንገዲ ናይ ባንኪ ሒሳብካ (Kontoauszug) የረጋግጽ።
-
ናይ ግዜ ምቁጣብ: ወረቐት ወይ ሰነዳት ብፖስታ ወይ ብስካን (Scan) ካብ ምልኣኽ፡ ብኡኣቢሉ ብቕልጡፍ ናይ ኣታዊኻ መረጋገፂ ስለዝህብ፡ እቲ Kredit ብዝቐልጠፈ ይጸድቀልካ።
2. ኣብቲ ስክሪንሾት (Screenshot) ዘሎ መበራህቲ
-
Anmeldename od. Leg.-ID: ኣብዚ ናይ Online Banking መእተዊ ስምካ (Benutzername) ወይ መለለዪ ቁጽርካ (Legitimations-ID) ተእቱ።
-
PIN: ኣብዚ ናይ Online Banking መእተዊ ምስጢራዊ ቁጽርካ (PIN) ተእቱ።
-
TAN ምሃብ (TAN freigeben): ሓበሬታኻ ምስ ኣተኻ፡ ኣብ ስልከኻ ናይ ባንኪኻ App (ንኣብነት S-pushTAN) ወይ SMS TAN ይመፀካ። ነቲ TAN ምጽዳቕ ማለት እቲ መስርሕ ንክዛዘም ፍቓድ ምሃብ ማለት እዩ።
🔒 ስለምንታይ ኢኻ ዘይትፈርሕ? (ደሕንነትን ውሕስነትን)
-
ሕጋዊ ውሕስነት: Tink Germany ብናይ ጀርመን ፋይናንስ ቁፅፅር ኣካል (BaFin)ን ናይ ኤውሮጳ ሕግታትን ዝመሓደር እዩ።
-
ሓደ ግዜ ጥራይ ዝጥቀመሉ ፍቓድ: ዝኾነ ሰብ ካብ ሒሳብካ ገንዘብ ክወስድ ወይ ክፍሊት ክገብር ኣይክእልን እዩ። ንሱ ጥራይ ናይ ወርሓዊ ኣታዊኻን ወጻኢታትካን ንምርኣይ ዘገልግል እዩ።
-
ብቕልጣፈ Kredit ንምርካብ: TAN ፍቓድ ምስ ሃብካዮ፡ CHECK24 ብኡንብኡ ናይ ልቃሕ ውሳኔ (Kreditentscheidung) ክህበካ ይኽእል።
Kommentar hinzufügen
Kommentare