ሰላም ናይ ብሎገይ ተኸታተልቲ!
ሎሚ ብዛዕባ ሓደ ኣብ ጀርመን ንብዙሓት ሰባት ብዘይፍላጥ ዓቢ ገንዘብ ዘብልዕ ዘሎ ጉዳይ፡ ማለት ናይ ኤሌክትሪክ (Strom) ክፍሊት ክነግረኩምን ገንዘብኩም ከመይ ገይርኩም ከም እትቆጥቡ ክሕብረኩምን እየ።
1. ናተይ ተመክሮ (ካብ Stadtwerke ናብ Vattenfall)
ኣነ ኣብ Stadtwerke (መሰረታዊ መደብ / Grundversorgung) ነይረ።
-
እቲ ጸገም: Stadtwerke ንሓደ ሰብ ኣብ ወርሒ 88,00 € Abschlag (ወርሓዊ ክፍሊት) ይሓተኒ ነይሩ! እዚ ኣዝዩ ዝኸበረ ዋጋ እዩ።
-
እቲ መፍትሒ: ብቕልጡፍ ውዑለይ ብኦንላይን ናብ Vattenfall ቐይረ።
-
ሕጂ ዘሎ ዋጋ: ወርሓዊ ክፍሊተይ (Abschlag) ናብ 64,00 € ወሪዱ።
-
እቲ ናይ ብሓቂ ወጻኢ: ምስቲ ዘስዕቦ ቦኑስ (Bonus) እንተ ተሓሲቡ ድማ፡ እቲ ማእከላይ ወርሓዊ ወጻኢተይ ናብ 42,03 € ጥራይ ይወርድ!
👉 ትርፊ: ብምቕያረይ ጥራይ ኣብ ዓመት ልዕሊ 350 € ክሳብ 500 € ኤትርፍ ኣለኹ!
2. ብዛዕባ ቦኑስ (Bonus Rules) ክትፈልጥዎ ዘለክም ኣገደስቲ ሕግታት
ምስ Vattenfall ወይ ካልኦት ዓበይቲ ኩባንያታት ውዑል ክትገብሩ ኸለኹም ክልተ ዓይነት ቦኑስ ትረክቡ፦
-
Sofortbonus (ናይ ብኡንብኡ ቦኑስ - ንኣብነት 95 €):
-
እዚ ገንዘብ እዚ ውዑልካ ተጀሚሩ ኤሌክትሪክ ምእታው ካብ ዝጀመረሉ ኣብ ውሽጢ 1 ክሳብ 3 ኣዋርሕ ብቐጥታ ናብ ባንክ ሕሳብካ (Konto) ይኣቱ።
-
-
Neukundenbonus (ናይ ሓዲሽ ዓሚል ቦኑስ - ንኣብነት 100 €):
-
እዚ ድማ ነቲ 12 ወርሒ ውዑልካ ምሉእ ምስ ገበርካ፡ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ናይ ዓመት ሕሳብ (Jahresabrechnung) ተሓሲቡ ካብ ክፍሊትካ ይጎድለልካ።
-
⚠️ ዓቢ መጠንቀቕታ (Achtung!): ኣብ ሕደ ኩባንያ (Anbieter) ኣብ ውሽጢ 6 ወርሒ ደጊምካ ውዑል እንተ ጌርካ፡ እቲ ኩባንያ ከም "ሓዲሽ ዓሚል (Neukunde)" ኣይቆጽረካን እዩ! ስለዚ እቲ ቦኑስ (Gift/Bonus) ኣይከፈካን እዩ። ቦኑስ ክትረክብ እንተ ዀይና፡ ወይ ካልእ ኩባንያ ክትቀይር አለካ ወይ ድማ ካብቲ ኩባንያ ወጺእካ እንተወሓደ 6 ወርሒ ክሓልፍ ኣለዎ።
3. ዓባይ ምኽሪ ካብ Grundversorgung ውጹ!
ብዙሓት ሰባት ኣብቲ ናይ ከተማኦም Grundversorgung (ከም Stadtwerke) ተቐሚጦም ብዘይፍላጥ ዘይግበኦም ብሉጽ ገንዘብ ይከፍሉ ኣለው።
-
ኣብ Grundversorgung እንተ ኣሊኻ፡ ናይ 2 ሰሙን (2 Wochen) Kündigungsfrist (ናይ ምእላይ መሰል) ጥራይ እዩ ዘለካ።
-
ብኡንብኡ ኦንላይን ብምእታው ናብ ሕስር ዝበለ ኩባንያ (ከም Vattenfall ወይ E.ON) ቐይሩ!
ኣብ ታሕቲ ዘሎ Link ተጠቒምኩም ናይ ገዛእ ርእስኹም ዋጋ ብምውዳደር ብቐጥታ ክትቀይሩ ትኽእሉ ኢኹም።
ገንዘብኩም ኣይተባኽኑ፡ ኩሉ ግዜ ውዑላትኩም እናወዳደርኩም ቀይሩ!
4. ውዑል ክትቀይር ከለኻ ዘድልዩኻ ሓበሬታታት (Was du brauchst)
ውዑልካ ብኦንላይን ኣብ ውሽጢ 5 ደቂቕ ንምፍጻም ነዞም ዝስዕቡ ሓበሬታታት ኣዳሉ፦
-
Zählernummer (ቁጽሪ ቆጣሪ): ኣብቲ ናይ ኤሌክትሪክ ቆጻሪት ወይ ኣብ ናይ ቀደም ወረቐትካ (Jahresabrechnung) ዘሎ ቁጽሪ።
-
Zählerstand (ናይታ ቖጻሪት ናይ ሕጂ ዘሎ ቁጽሪ): እቲ ውዑል ኣብ ዝጅምረሉ መዓልቲ፡ ኣብቲ ቖጻሪት ዘሎ ቁጽሪ ኣንቢብካ ንሓዲሽ ኩባንያ ትልእከሎም።
-
Bisheriger Lieferant & Kundennummer: እቲ ናይ ቀደም ኩባንያኻ ስምን (ንኣብነት Stadtwerke) ናይ ቀደም ቁጽሪ (Kundennummer)።
5. ኣገደስቲን ውሑሳትን ሓበሬታታት
-
ናይ ምእላይ መስርሕ (Kündigung): ነቲ ናይ ቀደም ውዑልካ እቲ ሓዲሽ ኩባንያ (ንኣብነት Vattenfall) ባዕሉ እዩ ዘሰናብቶ! ባዕልኻ ወላ ሓንቲ ክትጽሕፍ ኣየድልየካን እዩ።
-
ምቁራጽ ኤሌክትሪክ (Stromausfall): ኤሌክትሪክካ ክቁረጽ እዩ ኢልካ ኣይትስጋእ! ኣብ ጀርመን ብሕጊ ዝተሓለወ ስለ ዝዀነ ብወላ ሓደ ምኽንያት ኤሌክትሪክ ኣይቁረጽን እዩ።
-
ናይ ምእላይ መዓልቲ (Kündigungsfrist): ኣብ Grundversorgung እንተ ኣሊኻ፡ ናይ 2 ሰሙን (2 Wochen) Kündigungsfrist ጥራይ እዩ ዘለካ።
6. ሕጂ ብነጻ ዋጋታት ኣወዳድሩ!
ጊዜ ኣይተጥፍኡ! ብኡንብኡ ኦንላይን ብምእታው ናብ ሕስር ዝበለ ኩባንያ ቐይሩ።
Kommentar hinzufügen
Kommentare